Hopp til innhold

ኣብ ሊየር ኮሙና ድልውነት ኣዮዲናዊ ከኒና /ታብሌት/

ሓደገኛ ጩራ /ራድዮ ኣክቲቭ/ ክልቀቕ እንከሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኖርወይ ንዝምልከቶም ክፋላት ሕብረተሰብ ከም ቆልዑት፣ መናእሰይ፣ ጥኑሳትን መጥወብቲ ኣዶታትን ኣዮዲን ከኒና ንኽጥቀሙ ይመክር። ኣብ ሊየር ዘለዉ ቤት ትምህርቲ ህፃናትን (ባርነ-ሃገ) ስሩዕ ቤት ትምህርቲታትን ኣዮዲናዊ ከኒናታት ኣቕሚጦም ኣለዉ። ብተወሳኺ ኩሎም ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ዘለዉ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ገዝኦም ናይ ኣዮዲን ከኒና ክህልዎም ንመክር።

ሰበ ስልጣናት ኖርወይን ሊየር ኮሙናን ኣብ ዩክሬን /ኡክራይና/ ዘሎ ኩነታት ብጥብቂ እንዳተኻታተልዎ እዮም። ዲሬክቶሬት ምክልኻል ሓደገኛ ጩራን ድሕንነት ኑክሌርን /DSA/ ኣብ ልዑል ድልውነት ኣሎ፤ ኮሙናታት እውን እኹል ኣዮዲን ዝሓዛ ንምዃነን ከም ስሩዕ ስረሐን ክካታተልኦ ታሓቲተን ኣለዋ።


ኮሙናታት ንነበርቲ ኣቐዲመን ዝዕድሎኦ ከኒናታት ኣዮዲን የብለንን፣ እንታይ ዳኣ ነቶም ኣብ ላዕላይ ዝተጠቐሱ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንህጹጽ ጊዜ ዝኸውን ከቕምጡ ከምዘለዎም’ዩ ተነጊርዎም። ናይቲ ኮሙና ላዕለወይቲ ሓኪም (ስፔሻሊስት) ዝኾነት ኢንግሪድ ብየሪንግ ኣዮዲናዊ ከኒና ኣብ ፋርማሲ ከምዝሽየጥ ተዛሪባ። ኣብ ዝሓለፉ ማዓልቲታት ኣዝዮም ቡዙሓት ሰባት ኣዮዲን ከኒናታት ዓዲጎም/ገዚኦም/ እዮም። ገለ ፋርማሲታት እቲ ክሸጥኦ ኣዳልየንኦ ዝነበራ ኣዮዲናዊ ከኒናታት ንግዚኡ ከምዝወዳኣ ንፈልጥ ኢና። ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ፋርማሲ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።


እዞም ፉሉያት ዝኾኑ ከኒናታት ኣዮዲን፣ ምስ ካልኦት ከም መዋስኽቲ እንጥቀመሎም ኣዮዲናዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ክነዋቕዖም የብልናን። እዞም ንመዋስኽቲ ዝውዕሉ ኣዮዲናዊ ትሕዝቶዖም ብማይክሮ-ግራማት ጥራሕ እዩ ዝዕቀን፤ እዞም ሕጂ እንዛረበሎም ዘለና ከኒናታት ኣዮዲን ግን ከከም እቲ ዝሰርሖ ፋብሪካ መድሓኒት ዓቐን ኣዮዲኖም ካብ 65 እስካብ 135 ሚሊ-ግራም ዝበጽሕ እዩ። ናይ መግቢ ጨው ከም መተካእታ እዞም ኣዮዲናዊ ከኒናታት ኢልኩም ከይትወስዱ።


ንምንታይ እዬ ኣዮዲናዊ ከኒናታት ድልዊ ክገብር ዘለኒ?

ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኩሉ ዘድልየኩም ነገር ኣብ ገዛኹም ክትሕዙ ኣለኩም። ኣብ ገዛኹም ኣዳሊኹም ምጽናሕ ኣገዳስነቱ መታን መስርዕ፣ ዘይምርግጋእን /ራብሻን/ ጽቕጥቅጥን ዘስዕብ ዘየድሊ ምንቅስቓሳት ንምግታእ እዩ። ኣብ ዩክሬን /ኡክራይና/ ዘሎ ኩነታት ብዘየገድስ፣ ዲሬክቶሬት ምክልኻል ሓደገኛ ጩራን ድሕንነት ኑክሌርን (DSA) ኩሉ ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ዝኾነ ሰብ ከም ኣካል ኣጠቓላሊ ድልውነት ኣብ ገዝዑ ኣዮዲናዊ ከኒናታት ክዕቅብ /ኸቕምጥ/ ኣለዎ ይብል።


ኣፍቲ ኑክሌር ዝፍልፍለሉ ትካል፤ ኑክሌራዊ ሓደጋ ኣብዘጋጥመሉ እዋን፣ ኑክሌራዊ ኩናት እንተተወሊዑን ወይ ካብ ኑክሌራዊ መብላዕልዒ ዘለወን መራኽብ ጩራ እንተተለቒቑ ንመጥቃዕቲ ሓደገኛ ራድዮ-ኣክቲቭ ጩራ ክንቃላቕ ንኽእል ኢና። እዚ ልቃቕ’ዚ ኣብ ውሽጡ ንሞንሽሮ ቅድሚ ኽሳድ /ታይሮይድ/ ናይ ምቅላዕ ዓቢ ተኽእሎ ዘለዎ ሓደገኛ ራድዮ-ኣክቲቭ ዝኾነ ኣዮዲን ዝሓዘ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ቆልዑት፣ መናእሰይ፣ ጥኑሳትን፣ ዘጥውባ ኣዴታትን። ሓንቲ ከኒና ኣዮዲን ብምውሳድ ነዚ ሓደጋ ክንካላኸሎ ንኽእል ኢና። ኣዮዲናዊ ከኒናታት ዝካላኸሉ ንሓደገኛ ዝኾነ ጩራ ራዲዮ-ኣክቲቭ ኣዮዲን እምበር ንኻልኦት ዓይነታት ራድዮ-ኣክቲቭ ጩራታት ኣይኮነን።


ናይ ህጹጽ እዋን ድልውነት ኣብ ቤት ትምህርቲታት ህጻናትን /ባርነ-ሃገ/ ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲታትን


ኩለን ኣብ ሊየር ዘለዋ ቤት ትምህርቲታት ህጻናትን /ባርነ-ሃገን/ ስሩዕ ቤት ትምህርቲታትን ኣዮዲናዊ ከኒናታት ኣብ በቦተአን ከዚነን /ዓቂበን/ እየን። እዚ ኣቕዲምካ ዝዕደል ዘይኮነስ፣ እቲኦም ቆልዑት ኣብ ቤት ትምህርቲታት ህፃናትን ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቶምን እንዳሃለዉ ኣዮዲናዊ ከኒናታት ንኽወስዱ ምኽሪ እንድሕር ተዋሂቡ ንኽወስድዎ ጥራሕ እዩ።


ኣብ እዋን ኑክሌራዊ ሓደጋ፣ ወለዲ - ደቆም ኣዮዲናዊ ከኒና ክወስዱ እንድሕር ዳኣ ዘይደልዩ ኾይኖም፣ ነቲ ደቆም ዝኸዱሉ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ወይ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ከፍልጡ ኣለዎም። ሃይፖኮምፕለመንተሚክ፣ ዩርቲካርያል ቫስኩላይቲስን ደርማታይቲስን ሀርፐተይፎርሚስ ዘለዎም ቆልዑት ኣዮዲናዊ ከኒናታት ክወስዱ የብሎምን። እዚኦም ኣዝዮም ሳሕቲ ዝኽሰቱ ናይ ቆልዑት ሕማማት እዮም። ኣዮዲን እንድሕር ዳኣ ወሲዶም ነቲ ሕማሞም ስለዘብርትዖ ክወስዱ ኣይምከርን።

ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ስድራቤታት፣ ቆልዑት ኣብ ገዝኦም እንዳሃለዉ ክወስዱሉ ዝግባእ ኣጋጣሚ ንኸይሓልፎም፣ ኣዮዲናዊ ከኒናታት ኣብ ገዛ ክህልዎም ጸቒጥ ሂብና ንሕብር።


ኣዮዲናዊ ከኒናታት እንድሕር ዳኣ ዘይብለይ እንታይ ይገብር?


ኑክሌራዊ ሓደጋ እንተጋጥም ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ተባሂሉ ዝዳሎ ናቑጣታት ዕደላ ክጣየሽ እዩ። እዚ ዝጣየሸሉ ምኽንያት መታን እቶም ተቓላዕቲ ክፋላት ሕብረተሰብ (ቆልዑትን እስካብ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም መናእሰይን፣ ጥኑሳትን መጥወብቲ ኣዴታትን) ኣብ ገዝኦም ኣዮዲናዊ ከኒናታት ክህልዎም ዝገብር ዕድል ንምውሓስ እዩ። እቶም ናቑጣታት ዕደላ ብሞባይል ቴክስት /ኤስ.ኤም.ኤስ/ ገይሮም ንነበርቲ ክሕበሩ እዮም።


ኣዮዲናዊ ከኒናታት ክወስድ ዝግቦኦ መንዩ?


ቆልዑትን ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ መናእሰይን፣ ጥኑሳትን መጥወብቲ ኣዴታትን እዚ ሓደገኛ ኣዮዲናዊ ራድዮ-ኣክቲቭ ጩራ እንተጋጢምዎም ሞንሽሮ ቅድሚ ኽሳድ /ታይሮይድ/ ናይ ምምዕባል ዕድሎም ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ኣብ ኣዝዩ ፉሉይ ኩነታ እውናይ ዕድሚኦም ካብ ሞንጎ 18 ን 40 ን ዝኾኑ እዞም ከኒናታት ዝወስዱሉ ኩነታት ኣገዳሲ ዝኾነሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእልዩ። ዕድሚኦም ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ግን ሞንሽሮ ቅድሚ ኽሳድ /ታይሮይድ/ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ኣዝዩ ትሑት ስለዝኾነ ኣዮዲናዊ ከኒናታት /ታብሌታት/ ክወስዱ የብሎምን።


ናይ ቅድሚ ኽሳድ /ታይሮይድ/ መጥባሕቲ ዝገበሩ ሰባት ኣዮዲናዊ ታብሌታት /ከኒናታት/ ክወስዱ የብሎምን። ካብ 0 እስካብ 2 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻውንቲ /ሕንጦታት/ ኣብ ዓብዪ ሪስክ /ናይ ምቅላዕ ዕድል/ ውሽጢ ዘለዉ እዮም። ኣብ ናይ 6 ሰሙን መርመራ ህጻናት /ኮንትሮል/፣ እቲ ከኒና ኣብ መዔቀቢኡ እስካብ ዘሎ ነቲ ህፃን ዝኾን ከኒና ንወለዲ ክዋሃቦም እዩ። እቶም ከኒናታት ዘይረኸቡ ግን ናብ ጣብያ ጥዕና /ሄልሰ-ስታስዮን/ ከይዶም ሓበሬታን ከኒናን ይሕተቱ። ዝተፋላልያ መፍረይቲ ፋብሪካታት ነቲ ከኒና ብዝተፋላለየ መጠን ብርተዔ እየን ዝሰርሐኦ፣ ነቲ ቆልዓ ዝዋሃብ በዝሒውን ኣብ ዕድሚኡ ዝተሞርኮሰ እዩ። ንቖልዓኹም ከኒናታት /ታብሌታት/ ቅድሚ ምሃብኩም እቲ መጠን ኣዋሳስዳ ኣፍቲ ፓኮ ተጻሒፎ ስለዝርከብ ኣንብብዎ።


ኣዮዲናዊ ከኒናታት ማዓስ ይውሰድ?


ኣዮዲናዊ ከኒናታት /ታብሌታት/ ዝውሰድ ሃገራዊ ኮሚቴ ቀውሲ ኑክሌራዊ ድልውነት ብዝህቦ ምኽሪ መሰረት እዩ። እንድሕር ዳኣ ኑክሌራዊ ሓደጋ መጺኡ፣ ካብቲ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣቓልቦ ክግበረሉ እዩ፣ ከምኡውን እቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣዮዲናዊ ከኒናታት /ታብሌታት/ ንኽወስዱ መልእኽቲ ክበጽሖም እዩ። ብተወሳኺ’ውን ንህዝቢን ንናይ ኮሙናታት ንትካላትን በቲ ናይ ኮሙና ጉጅለ ድልውነት ኣቢሉ ሓበሬታ ክዋሃብ’ዩ።


እቲ ኣዮዲናዊ ከኒና /ታብሌት/ ብጉቡእ ንኽሰርሕ 48 ሳዓት ቅድሚ ናብቲ ሓደገኛ ልቃቕ ራድዮ-ኣክቲቭ ጩራ ምቅላዕናን፣ ደንጉዩ እንተተባህለ ኻዓ እስካብ 4 ሳዓታት ድሕሪ ምቅላዕና ክውሰድ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ እንድሕር እዚ ከኒና ተወሲዱ እቲ ሜታቦላዊ ሆርሞን ዝሰርሕ ጽኪ ቅድሚት ክሳድ (ታይሮይድ) ዝኣክል ኣዮዲን ስለዝህልዎ ነቲ ሓደገኛ ኣዮዲናዊ ጨረር ኣይመጦን።


ካብ 0 እስካብ 6 ሰሙን ዕድመ ዘለዎም ህፃናት ኣብ እዋን ልቃቕ ራድዮ-ኣክቲቭ ጩራ ካብ ኪኢላታት ጥዕና ኣዮዲን ክወስዱ ኣለዎም። እቲ ሓደጋ ዘጋጥም ኣብ እዋን ልሙድ ሳዓት ስራሕ እንድሕር ኮይኑ ፣ እዞም ኣብዚ ዕድመ’ዚ ዘለዉ ህጻናት ናብ ጣብያ ጥዕና /ሄልሰ-ስታስዮን/ ክውሰዱ ኣለዎም። ካብዙይ ወጻኢ ኣብዘሎ ማዓልቲታትን ሳዓታትን እንተኾይኑ ግን ነዚ ጉዳይ ሓላፍነት ዝተዋሃቦ፣ ማእከል ኖስተሃገን መንበሪን መካናኸኒን (Nøstehagen bo- og omsorgssenter) እዩ።


ኣዮዲናዊ ከኒናታት /ታብሌታት/ ምውሳድ ጓል /ጎናዊ/ ሳዕቤን ኣለዎዶ?


ዋላኳ ኣብ ኩሎም ሰባት ዝኽሰት ኣይኹን እምበር፣ ከም ኩሎም ካልኦት መድሃኒታት ጓል /ጎናዊ/ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ሓደ ብጉቡእ መምርሒን መጠንቀቕታን ዝተኸተለ ሰብ፣ ሓደ ጊዜ ካልሸም-ኣዮዳይድ እንተወሲዱ ጓል /ጎናዊ/ ሳዕቤን ዘጋጥሞ ሳሕቲ እዩ ። ኣብ ኩሉ ዕድመታት፣ ብምኽንያት ምውሳድ ኣዮዲናዊ ከኒና፣ ተርእዮ ተዳጋጋሚ ጎናዊ /ጓል/ ሳዕቤን ኣዝዩ ትሑት እዩ።


ሜታቦላዊ ሕማምን ኣለርጂክን ይራኣዩ እዮም፤ ኣብ ሕማም ጽኪ ቅድሚ-ኽሳድ /ታይሮይድ/ ዝነበሮም ሰባት ግን ዕድል ተርእዮ ጎናዊ /ጓል/ ሳዕቤን ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ። ኣዮዲናዊ ከኒናታት ልዕሊ ዓቐን ምውሳድ ሕፈስ /ጎይተር/ ከምጽእ ይኽእል። ስለዝኾነ ከኒናታት ክትወስድ ዘለካ ብሰበ ስልጣን እንተተነጊሩካ ጥራሕ እዩ።


ኣዮዲን ከይተባላሸወ ኣብ ከብሒ /መቐመጢ/ ዝጸንሓሉ ጊዜ


ኣዮዲን /ፖታሼም-ኣዮዳይድ/ ከይተባላሸወ ጸናሓይ እዩ። እስካብ ኣብ ደረቕን /ራሕሲ ዘይብሉን/፣ ጸልማትን፣ ጉቡእ መጠን ዋዒ ውሽጢ ገዛ ዝተቐመጠን ዋላ እቲ «best før» ዝብል ዕለት እንተሓለፈውን እቲ ከኒና ይሰርሕ እዩ። ኣዮዲናዊ ከኒና ኣብ ጉቡእ ቦታ እንተተቐሚጡ ከይተባላሸወ ዝጸንሓሉ ጊዜ ዳርጋ ቀጻላይ /ዘይውሱን/ እዩ።


ዝያዳ ሓበሬታን ንምርካብን ብዛዕባ ኣዮዲናዊ ከኒናታት ብኻልኦት ቋንቋታት ሓበሬታ እንተደሊኹምን ኣብ ዌብ-ሳይት ዲሬክቶሬት ምክልኻል ሓደገኛ ጩራን ድሕንነት ኑክሌርን /DSA/ ትረኽቡ ኢኹም ፦ https://dsa.no/atomberedskap/jodtabletter

ኣጠቓላሊ ምድላው

ኩነታት ዩክሬን /ኡክራይና/ ብዘየገድስ፣ ንዓርሰ ምድላው ሃገራዊ ምኽሪ ንህብ ኣለና። ንኣብነት ሓደ ሰብ ሓይሊ ጻዓት ከይረኸበ ንቡዙሓት ማዓልቲታት ክጸንሕ ይኽእል፣ ወይ ካዓ ኣብ ገዝኡ ዘሎ ማይ ቡምባ ዘይሰትየሉ ኩነታት ከጋጥሞ ይኽእል። ስለዙይ ሓደ ሰብ ክዳሎ ኣለዎ።


ኣብቲ ናይ መጀመርያ 3 ማዓልቲ ቅልውላው ክማልኡ ዘለዎም፣ መውዓዪ፣ ዝስተ ነገር፣ መግቢ፣ መድሃኒታት፣ ጽሬትን ሓበሬታን ዝኣምሰሉ መሰረታዊ ድሌታት እዮም። መብዛሕትና እቶም ዘድልዩና ነገራት ንቑሩብ ማዓልቲታት ብብዝሓት ንባዕልና ኣማሊእና ክንከውን ንኽእል፣ ስለዙይ ናፍቲ ዝድለ ብርኪ ሙሉእ ድልውነት ንምብፃሕ ቡዙሕ ዝወስደልና ኣይኮነን ማለት’ዩ።

Sist oppdatert: 10. mars 2022